ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ዝኾነ ጸገም ከምዘይበጽሖም፣ ስዊዘርላንድ ኣረጋጊጻ ክብል ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓሶት ምዃኑ ተቃሊዑ

Radio Erena: 14 September 2016

Aruz

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ጸገም ከምዘይበጽሖም፣ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካየደ ወኪል ስዊዘርላንድ ኣረጋጊጹ ክብል ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓሶት ምዃኑ ተቃሊዑ።

ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል፣ ኣሩዝ ሸባ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ክልተ ካብ ሚእቲ ንኤምባሲታት ሃገሮም እንተከፊሎም ብዘይጸገም ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ’ዩ ጠቒሱ።

ካብታ ሃገር ንልዕሊ 3 ወጺኡ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ’ውን ናብ ሃገሩ ክምለስ እንተደልዩ፣ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘይምልከቶ’ዩ ዝሕብር።

ደቂንስትዮ ከኣ ካብ 27 ዓመት ዝዕድሚአን ንላዕሊ ወይ ከኣ ዝተመሮኣዋን ዝወለዳን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይምልከተንን’ዩ ዝበለ ጸብጻብ እቲ ክፍሊ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ’ን ብዙሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክግበሩ ከምዘይግደዱ’ዩ ዘመልክት።

ዮናታን ያኮቮቪች ካብ ማእከል ፖሊሲ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ ሃገራዊ ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ናብ ዓዶም ምምላስ ጸገም ከምዘይብሉ ምድምዳመን ንዓና ጽbኡቕ’ዩ ክብል፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዘለዎ ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ ድሌት’ዩ ኣንጸባሪቑ።

ይኹን’ምበር እዚ ብክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ዝተዋህበ ኣብ ማዕከን ዜና ኣሩጽ ሸባ ዝቀረበ ሓበሬታ፣ ብምሉኡ ሓቕነት የብሉን።

እቲ ክፍሊ፣ ብውሕዱ’ውን፣ ነቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ምስቲ መንግስቲ ምትእስሳር ከምዘይብሎምን፣ እዚ ካብ ሃገሮም ዘህደሞም ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ከኣ ክምለሱ ከምዘይክእሉን ኣይጠቐሰን።

ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል፣ ወኪል ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ዝኾነ ጸገም ከምዘይገጥሞም ኣረጋጊጹ ንዝበሎ ከኣ፣ ወኪል ስዊዘርላንድ ዝበጽሖ መደምደምታ በንጻሩ ምዃኑን፣ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክኸዱ ዝጠለቡ ብውልቆም ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ሒደት ኣባላት የማናውያን ሰልፍታት ጥራይ ምዃኖም፣ ብዛዕባ’ዚ ካብ ስዊዘርላንድ ዝተወከስናዮም ወገናት ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክመልሶም ወይ ከኣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከሰጋገሮም ጻዕርታቱ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር በንጻሩ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ይግብኦም’ዩ ክብል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ ንፖሊስ እስራኤል ከምዝተቓወመ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0