ኤርትራውያን፣ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱሳ የካይዱ

ኤርትራውያን፣ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱሳ የካይዱ

Radio Erena : 03 October 2015

Lampe

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መበል ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፐኢዱሳ የካይዱ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ብምኽንያት ህልቂት ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ዝኽሪ 3 ጥቅምቲ 2013፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከይመጽአ፣ ስደትን ሳዕቤናቱን’ውን ከምዘየብቕዕ’ዩ ዘጉልሕ።

ኣብ 3 ጥቅምቲ 2013፣ ኤርትራውያን ዝጸዓነት ጃልባ ድሕሪ ዘጋጠማ ባርዕ ኣብ ላምፔዱሳ ከምዝጠሓለተን፣ ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን ከኣ ከምዝሞቱን ይዝከር።

 

ድሕሪ’ዚ ናይ 3 ጥቅምቲ 2013 ሓደጋ’ውን እንተኾነ፣ ኤርትራውያን ዝጸዓና ጀላቡ ተደጋጋሚ እዋን ከምዝጠሓላን፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዝሞቱን ዝፍለጥ’ዩ።

ሬሳ ናይቶም ኣብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኤርትራውያን ናብ ዓዱ ንምምላስ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት፣ ኢጣልያን ኤርትራን ኣብ ውድኡ ምርድዳእ ክበጽሓ ብዘይምኽኣለን፣ ኣብ ኣግሪጀንቶን ካልእ ከባቢታት ሲሲልያን ኣብ ጋህሲ ተቐሚጡ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0