ኤርትራዊ ጃኒ ተወልደ ዝድነቕ ብቕዓት ኣንጸባሪቑ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ጉተንግ ዌስት ራንዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክለባት ቅድድም ብሽክለታ፣ ንኤምቲኤን ኩቤካ ወኪሉ ዝቀዳደም ኤርትራዊ ጃኒ ተወልደ፣ ዝድነቕ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ሳልሳይ ኮይኑ ከምዝተዓወተ ሱፐር ስፖርት ሓቢሩ።
ኣብቲ 93 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ዶም ቱ ዶም 2012 ዝተኻየደ ናይ ፍጥነት ቅድድም ብሽክለታ፣ ነታ ኣብ ክለባት ደቡብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ እዋን ዝተሳተፈት ኤም.ቲ.ኤን. ኩቤካ ወኪሉ ዝተቐዳደመ ኤርትራዊ ጃኒ ተወልደ ሳልሳይ ኮይኑ ምዕዋቱ፣ ዓቢ ተስፋ ኮይኑዋ ምህላዉ ይግለጽ።
ኣብ ዝተፈላለየ ግጥማት ኤውሮጳ ዝቐነያ ዓበይቲ ክለባት ቅድድም ብሽከለታ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነዚ ሕጂ ብዶም ቱ ዶም 2012 ጀሚሩ ዘሎ ዝተፈላለየ ውድድራት ንምስታፍ’የን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትየን ዘለዋ።
ኣባላት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ጃኢ ተወልደ፣ ሜሮን ርእሶም፣ ተስፋይ ሃብተማርያምን ምስታ ጋንታ ዓወታት ንምሕፋስ ሓያል ጻዕሪ ካብ ዘካይዱ ዘለዎ ብሉጻት ተቐዳደምቲ’ዮም።
ምስ ከም በዓል ዩሮ ካርን ግሪንኤጅን ዝኣመሰላ ክለባት ተሓቝፎም፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሰለጠኒ ፕሮፌሽናል ቅድድም ብሽክለታ ዝርከቡ፣ ከም ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ውን ኣብቲ ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎ ዓመታዊ ዝካየድ ቱር ደ ፍራንስ ንምስታፍ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘለዎም ጸብጻባት ሳይክሊንግ ስፖርት ይሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0