ኤርትራዊ ኮለነል፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያ ብዋንነት ካዝና ጠያይቲ ተኣሲሩ

ኤርትራዊ ኮለነል፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያ ብዋንነት ካዝና ጠያይቲ ተኣሲሩ

Radio Erena: 30 May 2018

Pistol

ናይ ኮለነል ማዕረግ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ሓደ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኣብ ሩስያ ብዋንነት ካዝና ጠያይቲ ተታሒዙ መርመራ ይካየደሉ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ሩስያ ገሊጹ።

‘ክሪምያ ሩስያ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ብ28 ግንቦት ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ እቲ ኤርትራዊ ኮለነል ናብ ሩስያ፣ ዝኣተወሉ ምኽንያት ኣብ ምርኢት ሄሊኮፕተራት ንምስታፍ ኮይኑ፣ ሓደ ሓደ ውዕላት’ውን ንምኽታም’ዩ።

እንተኾነ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ጻንሖት ዛዚሙ፣ ናብ ዱባይ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ዕለት፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ኣብ ዝተገብረሉ ፈተሻ ሓደ ካዝና ናይ ሽጉጥ ተረኺብዎም።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኮለነል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እታ ኣብ ሳንጥኡ ዝተረኽበት ካዝና ጠያይቲ፣ ቅያር ናይታ ኣብ ኤርትራ ኣብ ገዝኡ ዝገደፋ ሽጉጡ ከምዝኾነትን ብወዝቢ ኣብ ሳንጥኡ ተረሲዓ ናብ ሩስያ ከምዝተማልኣን’ዩ ዘመልክት።

ይኹን’ምበር ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክሳብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ከይተረኽበት ብቀሊሉ ክትሓልፍ ዝኸኣለትሉ ምንገዲ ኣይተነጸረን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ እቲ ኮለነል፣ ክሲ ተመስሪትሉ ጉዳዮ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0