ኤርትራዊ ኣትለት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ኣትለት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ

Radio Erena: 15 September 2015

Merhawi kesete

ኣብ ቸክ ሪፖብሊክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣትለቲክስ፣ ኤርትራዊ ኣትለት መርሃዊ ከሰተ ኣብ ናይ ፍርቂ ማራቶን ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ኬንያውያን ክዕወትሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ብሰንበት 13 መስከረም ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፣ ኤርትራዊ መርሃዊ ከሰተ ንተመወዳድርቱ ብምዕብላል፣ ቀዳማይ ኮይኑ ምዕዋቱ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውያን ውድድራት ኣትለቲክስን ቅድድም ብሽክለታን ብእተመዝግቦ ዘላ ኣንጸባራቒ ዓወታት፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ስፖርት ብቀዳምነት ካብ ዝጥቐሳ ዘለዋ ሃገራት ክትከውን ክኢላ ኣላ።

 

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0