ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንሽልማት ናይ ሰላም ኖቤል 2015 ካብ ዝተረቑሑ ሰባት ሓደ ምዃኖም ተሓቢሩ

ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንሽልማት ናይ ሰላም ኖቤል 2015 ካብ ዝተረቑሑ ሰባት ሓደ ምዃኖም ተሓቢሩ

Radio Erena: 03 February 2015

Abpo

ብማእከላይ ባሕሪ እናሰገሩ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ ንዘለዉ10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሓደ ካብ ሕጹያት ሽልማት ኖቤል 2015 ምዃኖም ሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንሽልማት ኖቤል ካብ ዝሕጸዩ ሰባት ንክኾኑ ተኽእሎ ምህላዉ ኣብ ስዊዘርላንድ እትሕተም ጋዜጣ ኣቐዲማ ጠቒሳ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሮይተርስ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ብሎግ ሓበሬታ ግና እቶም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቀሺ ዝኾኑ ኤርትራዊ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሕጹያት ሰፊሮም ዘለዉ ምዃኖም ሓቢሩ።

 

ጳጳስ ፍራንሲስ ናይ ቫቲካን፣ ብመንገዲ ኢንተርነት ምስጢራት ስለያ ኣመሪካ ዘቃልዐ ኤድዋርድ ስኖውደን፣ ኣብ ሩስይ ኣንጻር ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን ደው ዝበለት ጸላዊት ጋዜጣን ካልኦትን ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብሓባር ንሽልማት ኖበል ተሓጽዮም ምህላዎም ብሎግ ሮይተርስ ኣመልኪቱ። 

ናይ ሰላም ኖቤል ዝዕወቱ ሰባት ብኣባላት ፓርላማ ኩለን ሃገራትን ካልኦት ኣሽሓት ሰባትን ክርቁሑ ይኽእሉ’ዮም።

ኣብ ኖርወይ፣ ኦስሎ ዝመደበሩ ሓላፊ ማእከል ምርምር ንሰላም ክርስትያን በርግ ሃርፕቪከን፣ ነዚ ናይ 2015 ስልማት ኖቤል ክዕወቱ ከም ቀዳማይ ምርጫኡ ረቑሕዎም ዘሎ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ናይ ሮይተርስ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ነቲ ኣብ ኖርወይ ዝወሃብ ናይ 1.2 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ግንዖ ዘለዎ ሽልማት ኖቤል ናይ ምርቋሕ ግዜ ክሳብ 1 ለካቲት ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ተዓወቲ ናይቲ ሽልማት ከኣ ኣብ ጥቕምቲ ብወግዒ ክንገር’ዩ።

ኣብ ነርወይ ዝመደበሩ ትካል ሽልማት ኖቤል ዝርዝር ኣስማት ሕጹያት ዘይረቁሕ እኳ እንተኾነ ዝርዝር ኣስማት ድሮ ብክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ዝኾኑ ዜጋታት ነርወይ ተትሒዙ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ።

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ንዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ካልኦትን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ንምሕጋዝ ዘቖምዎ ኣጀንስያ ሓበሻ ዝተባህለ ትካል ግብረሰናይ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ይኹን ኣብ ናይ ሳሃራን ካልእ ጉዕዝኦም ዝኾነ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ብቀጥታ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብምድዋል ሓገዝ ከምዝሓቱ ብሰፊሑ ዝፍለጥ’ዩ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0