ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብሉጽ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኽዕወት፣ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣብ መርበብ ሓበሬታ africantopsports.com ድጽኹም ክትህቡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብሉጽ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ንኽዕወት፣ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣብ መርበብ ሓበሬታ africantopsports.com ድጽኹም ክትህቡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

Radio Erena: December 30, 2013

 

Natiኤርትራዊ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ንብሉጽ ስፖርትዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2013 ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ 10 ኣፍሪቃውያን ሓደ ኮይኑ ምህላዉ መርበብ ሓበሬታ africantopsports.com ኣፍሊጡ።

ናትናኤል ብርሃነ፣ ምስ ከም በዓል ዲድየር ድሮግባ ካብ ኣይቮሪኮስት፣ ሳሙኤል ኤቶ ካብ ካሜሮን፣ ያያ ቶረ ካብ ኣይቮሪኮስት፣ ብኩዕሶ እግሪ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ጉያ እግርን ቅድም ብሽክለታን ጽቡቕ ስምን ዝናን ምስ ዘለዎም ስፖርታውያን ኣፍሪቃ’ውን ንዝበለጸ ስፖርታዊ ተረቝሑ ዘሎ።

 

ናትናኤል ብርሃነ፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ደገፍቲ ስፖርት ረኺብዎ ብዘሎ 2 538 ድምጺ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፣ ያያቶረ ድማ ብ2 473 ኣብ ካልእይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ክሳብ ጥሪ 5፣ ኣብ ዘሎ ግዜ ኩሎም ኤርትራውያን ነዚ ህቡብ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳምይ ብመንገዲ ኢንተርነት ድምጾም ክህቡ’ውን ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ይምሕጸኑ።

ኣባል ፈረንሳዊ ክለብ ዩሮፕ ካር ዝኾነ ኤርትራዊ ፕሮፌሽና ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ንብሉጽ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2013 ንክዕወት፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ africantopsports.com ድምጽኹም ክትህቡ ሬድዮ ኤረና ንኹሎም ኤርትራውይን ኣፍቀርቲ ስፖርት ትምሕጸን።

ወዲ 22 ዓመት ናትናኤል ብርሃነ፣ ዓሚ ኣብ ዝተኣከበ ተመሳሳሊ ድምጺ፣ ብሉጽ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2012 ኮይኑ ከምዝተዓወተ ኣይርሳዕን።

ሽልማት ብሉጽ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2013 ኣብ ቶጎ ከተማ ሎሜ ክዕደል’ዩ።

ኣብ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ’ውን ኣብ africatopsports.com ምስ ብሉጻት 10 ፈደረሽናት ተረቝሑ ይርከብ።

ኣብ ናይ ደቂንስትዮ ድማ፣ ኢትዮጵውያን ተቐዳደምቲ ጉያ እግሪ ጥሩነሽ ዲባባን መሰረት ደፋርን ምስተን 10 ንብልጽቲ ስፖርታዊት ኣህጉር ኣፍሪቃ ተረቑሐን ኣለዋ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0