ኤርትራዊ መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም ናይ ዑቕባ መሰል ተዋሂቡ

Radio Erena: 04 August 2019

ብግጉይ መንነት፣ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ መድሃኔ ተስፋማርያም ናይ ዑቕባ መሰል ተዋሂቡ።
ኢጣልያን ብሪጣንያን ብግጉይ መንነት ካብ ሱዳን ብከቢድ ሓለዋ ናብ ኢጣልያ ኣምጺኤን ንማዕከናት ዜና ዓለም፣ ‘ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰብ ሒዝና’ ብምባል ዝተነየታሉ መድሃኔ፣ ብኣማኢት ዝቑጸር መርትዖታት እኳ እንተቕረበ ክንጸግ እዩ ጸኒሑ።
እንተኾነ ቤት ፍርዲ ፓለርሞ ብ12 ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ መድሃኔ ተስፋማርያም ብጌጋ ዝተታሕዘ ምዃኑ ብምእማን ናጻ ክወጽእ እዩ በዪኑሉ።
ብኡ ንብኡ ዘድልይ ወረቓቕቲ ሒዝና፣ ናብቲ ዝተኣስረሉ ቦታ ምስ ከድና፣ ካብ ኢጣልያ ንክጥረዝ፣ ኣብ ሲሲሊ ናብ ዝርከብ ካልእ መዳጎኒ መዓስከር ከምዝወስደ ነጊሮምና፣ ክብል ጠበቕኡ ን ዘ ጋርድያን ገሊጹ።
እዚ ኣብ ስርዓተ ሕጊ ኢጣልያ ከም ዝዓበየ ዘሕፍር ፍጻሜ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ ጉዳይ መድሃኔ፣ ኣኽባር ሕጊ ከም ናይ ውልቁ ፍሽለት ስለዝረኣዮ፣ ብምትህልላኽ ዝገበሮ’ዩ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ነቲ ጉዳይ ክከታተሉ ዝጸንሑ ተጣበቕቲ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዝገልጹዎ።
መድሃኔ ተስፋማርያም ናይ ዑቕባ መሰሉ ኣብ ዝተዋህበሉ ‘ሓጎሰይ ክገልጽ ኣይክእልን’የ፣ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዘሰምብድ ሕልሚ’ዩ ተወዲኡ’ ክብል ንዘጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0