ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ክሳብ ሞት ዝቐጥቀጡ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ተኸሲሶም

ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ክሳብ ሞት ዝቐጥቀጡ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ተኸሲሶም

Radio Erena: 14 January 2016

Bea Er Is

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ባር ሸባ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቀትለ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ፣ ብጥይት ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑ ብጠዋሉን በእጋሮምን ዝሃረምዎ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ተኸሲሶም።

እቲ ሃብቶም ዝተባህለ ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ፣ ብ18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ባር ሸቫ፣ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ሰባት ሓደ ስለዝመሰሎም፣ ተኾሲሞም ኣብ ከባቢ እግሩ ድሕሪ ምቑሳሎም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመናብርን ካልእን ጨፍጪፎም’ዮም ብዘውረድሉ ከቢድ ከቢድ ጉድኣት ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ’የ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ይዝከር።

 

ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምጭፍጫፍ ኢዶም ዝሓወሱ ኣርባዕተ ካብቶም እስራኤላውያን፣ ሓደ ኣባል ኣባል ፖሊስን ሓደ ከኣ ወትሃደርን ከምዝርከብዎም፣ ንሬድዮ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ – AFP ሓቢሩ።

በቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም እንታይ ዓየንት ፍርዲ ክወሃቦም’ዩ ኣይተነጸረን።

እስራኤላውያን ነቲ ተራ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ብግፍዒ እናተቐተልዎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ (ቪድዮ) ብናይ ሞባይል ካሜራታት ተቀዲሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ሓያሎ ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ኣይርሳዕን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0