ኤርትራዊት ተማሃሪት ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ምኽሳዕ ደቂንስትዮ ብምትኳር ብዘካየደቶ ሓጺር መጽናዕታዊ ጽሑፍ ተዓዊታ

Radio Erena: 12 January 2023

መንእሰይ ኤርትራዊት ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ተኔሲ፣ ሊድያ ገብረየሱስ ኣብ ጉዳይ ምኽሳዕ ደቂንስትዮ ኣተኵሩ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓጺር መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምዕዋታ፣ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ብ11 ጥሪ፣ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ተማሃሪት ስነ-ፍልጠት ፋርማሲ ዝኾነት ሊድያ፣ ኣብ መጽናዕቲ ኣብ ምኽሳዕ’ ልዕሊ ዕድመ ደቀንስትዮ ብምትኳር፣ ኣብ መንጎ ተመሃሮ መጽናዕታዊ ዶክትሬት (PHD)ን ማስተርስን ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣብ 3 ደቒቕ ዝቐርብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ተወዳዲራ’ያ ተዓዊታ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ንሳ ብህዝቢ ኣብ ዝተዋህበ ናይ ድምጺ ድጋፍ’ውን ቀዳመይ ደረጃ’ያ ሒዛ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ልዲያ ኣብ 2021’ያ ካብ ኤርትራ ንትምህርቲ ናብ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣምሪሓ።

እታ ተመሃሪት ካልኣይ ዓመት ዝኾነት መንእሰይ፣ ብዘቕረበቶ ሓጺር መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምስ ተዓወተት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፣ ምኽሳዕ ብዝምልከት ዝካየዱ መጽናዕትታት ብዝያዳ ኣብ ደቂተባዕትዮ’ዮም ዘተኩሩ ድሕሪ ምባል፣ አዚ ድማ ንኹነታት ጥዕና ደቀንስትዮ ከምዘይሕግዝን ኣብ ደቀንስትዮ ዘድሃበ መጽናዕቲ ክህሉ ከምዝግባእን ኣስሚራትሉ።:

ደቀንስትዮ ድሕሪ ምንጻፍ ጽግያት ወይ ሞኖፖዝ ኣብ ዘሎ ግዜ ዘጋጥመን ምኽሳዕ፣ ንሕማማት ልብን ጸቕጢ ደምን ዘቃልዐን እኳ እንተኾነ፣ ምስ ደቂተባዕትዮ ኣብ ግምት ብምእታው ግና ትሑት ግምት ተዋሂብወን ምጽንሑ ኣገንዚባ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0