ኤርትራዊት ሩቕያ ያቖብ ሓላፊት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ጋና ኮይና ተመዚዛ

ኤርትራዊት ሩቕያ ያቖብ ሓላፊት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ጋና ኮይና ተመዚዛ

Radio Erena: 07 August 2017

Rukia Yacoub

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ((WFP) ንኤርትራዊት ሩቕያ ያቖብ ቀዋሚት ወኪሉ ኣብ ጋና ክትከውን ከምዝመዘዛ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኤርትራዊት ሩቕያ ያቖብ ነቲ ተመዚዛትሉ ዘላ ሓላፍነት ብዝግባእ ከተሰላስል ዘኽእላ ብቕዓትን ተመክሮን ከምዘለዋ መስኪሩ።

ንሳ ካብ 2009 ክሳብ 2014 ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ምክትል ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ግብጺ ኮይና ከተገልግክ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2014 ከኣ ብተመሳሳሊ መዝነት ኣብ የመን ኣገልጊላ’ያ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ርዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከምዝሰርሐት መግለጺ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0