ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

ኤርትራን የመንን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 13 August, 2014

Yemeni minister

ሓድሽ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ የመን መሓመድ ሸኽ ዓብዱል ጀሊል ምስ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን ዓዋድ ኣል ሶኮርቲ ትማሊ ሰሉስ 12 ነሓሰ ተራኺቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዘሎ ጉዳያት ባህላዊ ምግፋፍ ዓሳን ምትሓዝ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብኤርትራን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ እቲ ሚኒስተር ምስ ኣምባሳደራት ግብጽን ኣልጀርያን’ውን ብምርኻብ፣ ኣብ ጽላት ሃብቲ ዓሳ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕብባር ዘትዩ።

 

የመን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ፣ ምስ ሃገራት ዓረብን ጎረባብታን ብሓባር ክትሰርሕ ከምእትደሊ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኤርትራ ኣስታት 1200 ኪሎሜተር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዘዋስነን ሃገራት እታ ኣብ ጽላት ሃብቲ ዓሳ ዝደኸመት ሃገር’ያ።

===========================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0