“ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸተምኦ ስምምዕ፣ ስደተኛታት ንምስጓግ ክሕግዘና’ዩ፣” ቀ/ሚ እስራኤል

“ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸተምኦ ስምምዕ፣ ስደተኛታት ንምስጓግ ክሕግዘና’ዩ፣” ቀ/ሚ እስራኤል

Radio Erena: 11 October 2018

netanyahuኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸተምኦ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምስጓግ ክሕግዘና’ዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምግላጹ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብሰሉስ 9 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ሊኵድ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ምስ ግብጺ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ሲና፣ ሓጹር እንተዘይህነጽ፣ ኣብዚ 10 ዓመታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ምወረሩና ክብል ገሊጹ።

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ንዝኾኑ ልዕሊ 45 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ንምስጓጎም መደባት ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ብዝተኻየደ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፣ ርዋንዳ ብግዴታ ተሰጕጎም ንዝመጹ ከምዘይትቕበል’ያ ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መበል 73 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ብምርኻብ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ደጊሙ ተዘራሪቡ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ፍርቆም ካብቶም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ካናዳን ክጣየሱ ፍርቆም ድማ ኣብ እስራኤል ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ኣብ ዝብል ነጥቢ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞ ስምምዕ ኣብ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምስራዙ፣ ኩነታቶም ኣብ ሓዲግ’ዩ ዝርከብ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0