ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝተፈላለየ መርገጺ ምውሳደን ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 18 June 2019

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለወን መርገጺ ብምፍልላዩ፣ ነቲ ከም ሓድሽ ጀሚሩ ዘሎ ዝምድነአን ከይትንክፎ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት ነዚ ስክፍታ’ዚ ዝገልጹ ዘለዉ፣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

ከምዝፍለጥ ፕረዚደንት ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝፈረሞ ዕርቀ-ሰላም፣ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ንግዚኡ ተኸፊቱ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ብዝተወስደ ስጉምቲ ዳግም ተዓጽዩ እዩ።

ብኣንጻሩ፣ ኤርትራ ምስ ሱዳን ዘዳውባ ከባቢታት ክፉት ክኸውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ሱዳን የመልክት።

ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ለተናንት ጀነራል ዓብደል-ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ንምርኻብ ብዓርቢ 14 ሰነ ናብ ኣስመራ ከምዝተጓዘ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብቲ ርክብ፣ ናጻ ምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይግለጽ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን፣ ብህዝቢ ሱዳን ጥራይ ክፍታሕ ኣለዎ፣ ድሕሪ ምባል ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ክጸንሕ፣ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ሙዃኑ ገሊጹ።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ጉዳይ ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገርን ናይ ሽምግልና ተራ ክጻወቱ ሓቲቶም እዮም።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ሓያሎ ሃገራት መምስ ረብሐአን ብዝዛመድ ንወተሃደራዊ ጉጅለን ንምንቅስቓስ ንናጽነትን ለውጥን ክድግፋ እየን ተራእየን።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ እዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሒዘንኦ ዘለዋ ዝተፈላለየ መርገጺ፣ ነቲ ገና ተነቃፊ ዘሎ ዝምድነአን ብኣሉታ ከይጸልዎ’ዩ ዘሎ ስክፍታ እቶም ዲፕሎማሰኛታት።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0