ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ቪዛ ምዕዳል ደው ኣቢሉ

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ቪዛ ምዕዳል ደው ኣቢሉ

Radio Erena: 12 September 2017

US Embassy Asmara

ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ካብ 13 መስከረም ኣትሒዙ ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ምዕዳል ደው ኣቢሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ብመሰረት Section 243(d) of the immigration and nationality Act፣ ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክዕደል ፍቑድ ዝጸንሐ ቪዛ B1, B2 ከምኡ’ውን B1/B2 ንኤርትራውያንን ንአብ ኤርትራ ዝነብሩ ካልኦት ዜጋታት (ብዘይካ ንፍሉይ ኩነት) ደው ከምዘበለ ይጠቕስ።

እዚ ናይ ቪዛ ደው ምባል ዝምልከቶ ኩሉ ቪዛ ክሓትት አንተመሪጹ፣ ቃለመሕትት ክግበር ከምዝከኣል ዝሓበረ እቲ ኤምባሲ፣ክሳብ እቲ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ቪዛ ደው ምባል ዝልዓል ግና ቪዛ ክወሃብ ከምዘይክእል የነጽር።

ንቪዛ መሕተቲ ዝኽፈል ገንዘብ’ውን ከምዘይምለስ የዘኻኽር።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነዚ ሓበሬታ ዝዝርግሕ ዘሎ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ክሰጉግ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ኤርትራ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከምዝገብር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

እተን ምስ ኤርትራ ናይ ቪዛ እገዳ ተነቢሩልን ዘሎ ሃገራት፣- ካምቦድያ፣ ጊኒን ሰራልዮንን’የን።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0