ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዱባይ ዝተራእየ ካርታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይቕሬታ ሓቲቱ

ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዱባይ ዝተራእየ ካርታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይቕሬታ ሓቲቱ

Radio Erena: 27 January 2019

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዱባይ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተሰርሐ ካርታ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብ ሓያሎ ህዝባዊ በዓላት ኢትዮጵያውያን ንካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሶም ብምስኣል ፖስተራት ምስራሕ ዳርጋ ከም ልሙድ እንዳኾነ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ኣስዒቡ’ዩ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ትዊተር ኣቢሎ ኣብ ዝፈነዎ ናይ ይቕሬታ መልእኽቲ፣ ኣብ ማራቶን ዱባይ ዝተራእየ ካርታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕጽበት ከምዝእለ ከምዝገበረ ድሕሪ ምሕባር፣ ብሰንኪ’ዚ ተርእዮ ጓሂ ንዝተሰመዖም ይቕሬታ ንብል ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ማራቶን፣ ደገፍቲ ኣትለታት ኢትዮጵያ፣ ካርታ ሃገሮም ምስ ኤርትራ ዝሓወሰ ሒዞም እዮም ዝጭርሑ ኔሮም።

ድሕሪ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን፣ እዚ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ሓዊስካ ዝዝርጋሕ ካርታ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክቃወምዎን ኣንጻሩ ጎስጓሳት ከካዪዱን ጸኒሖም’ዮም።

ገለ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ኣብዚ ኣንፈት ሃገርና ናበይ የምርሕ ኣሎ ኣብ ዘይፍለጠሉ እዋን፣ እዚ ብሓያለይ ኢትዮጵያውያን ዝግበር ዘሎ ምሕዋስ ካርታታትን ዝወሃብ ዘሎ ቃለመጠይቓትን፣ ካብ ገርሂ ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ ዝሓልፍ ስዉር ዕላማ ኣለዎ፣ ክብሉ ዘለዎም ጥርጣረ ገሊጾም።

ንሳቶም ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፣ ንኤርትራ ወኪሉ ክዛረብ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘይብሉ ክነሱ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ተቓውሞ ስለዘይሰመዐ’ዩ ዝቕጽሎ ዘሎ ክብሉ ገሊጾም።

ብምዕፋን ሓበሬታ ኣብ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ቦኺሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0