ኣፍሪቃ፣ ብኮቪድ 19 ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 9.14 ሚልዮን በጺሑ

Radio Erena: 20 December 2021

ኣብ ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ናይ ዝተለኽፈ ቁጽሪ ህዝቢ ናብ 9 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ተገሊጹ።

AFRICA CDC, ማለት ማእከል ምቁጽጻር ተላባዒ ሕማማት ኣፍሪቃ ብቀዳም 19 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቁጽሪ ምዉታት ኣብ 225 ሽሕን 900 ደው ኢሉ እኳ እንተሎ፣ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ናይ ዝልከፍ ዘሎ ቁጽሪ ህዝቢ ግና ኣዝዩ ይንህር ከምዘሎ ገሊጹ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ብከቢድ ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያን ኢትዮጵያን ምዃነን እቲ ማእከል ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ተለኺፎም ናይ ዘለዉ ቁጽሪ ሰባት 3.2 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ቱርኪ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝውዕል ናይ 15 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ክትልግስ ምዃና፣ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ጣይብ ኤርዶዋን ብቀዳም 19 ታሕሳስ ኣብ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ንኣፍሪቃ ዝተለገሰ ሓገዝ ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ ሃገሩ፣ ቱርኮቫክ ዝተባህለ ናይ ገዛእ ርእሳ ጸረ ኮቪድ መድሃኒት ኣብ ምድላው ከምዘላ ብምግላጽ፣ እቲ መድሃኒት ፍቓድ ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀንዲ ተረባሕቲ ክኾና እየን ኢሉ።

እንተኾነ፣ እቲ መብጸዓ ዝኣተዎ 15 ሚልዮን ክታበት፣ ካብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ መድሃኒታት ድዩ፣ ዋላስ ካብቲ ቱርኪ ትምስርሖ ዘላ ናታ ፍርያት፣ ብንጹር ኣየፍለጠን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0