ኣዲስ ኣበባ፣ ዝበዝሐ ገበናት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ብዝኣተዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ዩ ዝፍጸም ዘሎ ክብል መንግስቲ ወቒሱ

Radio Erena: 16 August 2022

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን፣ ዝበዝሐ ገበናት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ብዝኣተዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ዩ ዝፍጸም ዘሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ።

ኣገልግልት ዜና ኢትዮጵያ፣ ንዳይረክተር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፣ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ብምጥቃስ፣ ብ15 ነሓሰ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሓያሎ ዜጋታታ ወጻኢ ሃገራት፣ ኣብ ሽበራ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ሰብን ከምኡ ድማ ምስናዕ ሰነዳትን ዝኣመሰለ ገበናት ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃኖም ከሲሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ስደተኛታት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብዶባት ዝኣተዉን ብቪዛ ኣትዮም ከብቅዑ፣ ክጸንሕሉ ዝግባእ ግዜ ዘሕለፉን ወጻእተኛታት ከምዘለው ዘዘኻኸረ መግለጺ እቲ ዳይረክተር፣ መንግስቲ ምስ ገበን ምፍጻም ብዝተሓሓዝ ዝተፈላለየ መደባት ሓንጺጹ ምህላዉ ኣተንቢሁ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዳግመ ምዝገባ ክገብሩ መንግስቲ ብዘሕለፎ ውሳኔ መሰረት፣ ካብ 36 ሃገራት ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዝገቡ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ፣ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብምትሕብባር፣ ዘይተመዝገቡን ስደተኛታት ምዃኖም ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦምን ወጻእተኛታት፣ ብምክትታል ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣቶ ተስፋሁን ኣጠንቂቑ።

ኣዋጅ ምዝገባ ወጻእተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሻቕሎት ፈጢርሎም ምህላዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0