ኣዲስ ኣበባ፣ ቪዛ ንምሕታት፣ ኣብ RRS ንዝተረኽቡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን፣ ጉዳይኩም ኣጽሪና ክንሕብረኩም ኢና ብምባል መሊሶሞም

Radio Erena: 26 April 2022

ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ (RRS)፣ መውጽኢ ቪዛን ናይ ጉዕዞ ሰነዳትን ክወሃቦም ንዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ንሎሚ 26 ሚያዝያ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ክርከቡ ብዝገበሮ ጻውዒት፣ መርመራ ብምክያድ ‘ጉዳይኩም ኣጽሪና ክንሕብረኩም ኢና።’ ብምባል ከምዝመለስዎም ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ልዕሊ 300 ኤርትራውያን፣ ብመሰረት እቲ ብ25 ሚያዝያ፣ ምልክታ ብምልጣፍ ብዝተገብረሎም ጻውዒት መሰረት፣ ካብ ንግሆ፡ ሰዓት 8፡00  ኣትሒዞም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሪጋ ሒዞም ክጽበዩ ድሕሪ ምውዓል፣ ምሉእ ስም፣ ትውልዲ ዓዲ፣ ንኢትዮጵያ ዝኣተውሉ መንገዲን ኣገባብን፣ ክንደይ ዓመታት ከምዝተቐመጡን ሕቶታት ቀሪብሎም።

እዞም ኤርትራውያን፣ ብምትእኽኻብ ስድራቤታትን ካልእን፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሃገራት ቪዛ ዝረኸቡ ኮይኖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መውጽኢ ቪዛን ናይ ጉዕዞ ሰነዳትን ከዳልወሎ፣ ብ3 መጋቢት ብዘቕረብዎ ጠለብ’ ዩ፣ RRS ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ክርከቡ ጸዊዖም።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምምጻእ ስርዓት ብልጽግና ናብ ስልጣን፣ ኩነታት ናይቶም ኣብ መዓስከራት ትግራይን ዓፈርን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝነብሩ’ውን ተሓላሊኹ’ዩ ዝርከብ።

ብፍላይ እቶም ብምትእኽኻብ ስድራቤታት፣ ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ምጥያስን ካልእን ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ክወጹ ኣብ መስርሕ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ መሰናኽላት ይገብረሎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ናይ ካልኦት ሃገራት ቪዛ ረኺቦም፣ ብሰንኪ መውጽኢ ቪዛን ናይ ጉዕዞ ሰነዳትን ጉዳያቶም ተሓላሊኹ፣ ንዘይተደልየ ወጻኢ ተቓሊዖም ናይ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ልዕሊ 2600 ከምዝበጽሕ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ይእምቱ።

ዋላ’ውን እቶም ቪዛን መውጽኢ ሰነዳትን ክረኽቡ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን፣ ብዘይዕንቅፋት ንኽወጹ፣ ክሳብ 120 ሽሕ ብር ጉቦ ዝኸፍልሉ ኩነታት ከምዘለዎ እቶም ምንጭታት ብኣብነት ኣረዲኦም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0