‘ኣዲስ ኣበባ፣ ሓደ ሓደ ኤምባሲታት፣ ብናይ ገዛእ ርእሰን ወትሃደራት ክሕለዋ ይሓታ ኣለዋ።’

Radio Erena: 17 November 2021

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ኤምባሲታት፣ ብናይ ገዛእ ርእሰን ወትሃደራት ክሕለዋ ይሓታ ምህላወን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እዘን ኤምባሲታት፣ ንሓለዋ ዝኾንወን ወትሃደራት ካብ ሃገራተን ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ይሓታ ከምዘዋ ዘረጋገጸ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ‘ዘስሕቕ’ ዩ’ ክብል ከምገለጾ ዘ ሪፖርተር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኤምባሲታት ሓያሎ ሃገራት፣ ዜጋታተን ኣብ ህጹጽ ስራሕ ዘይተዋፈሩ ኣባላትን ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኣሉ ዘለዋ እዋን፣ ብኣንጻሩ ወትሃደራት ሃገራተን ንሓለዋ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ይፈቐደልና ምባለን፣ ኣካል ናይቲ ሞራል ሰራዊትን ህዝብን ብምድኻም፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንብርኻኽ ዝካየድ ዘሎ ውዲት’ዩ ክብል’ውን እቲ ኣፈኛ ወቒሱ።

ሓይልታት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን መጥቃዕታቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግስ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብታ ከተማ ምስ ጸጥታ ተተሓሒዙ ብዙሕ ዘይንቡር ምንቅስቓሳት ይርአ ከምዘሎ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት የመልክታ።

ጸጥታ እታ ሃገር ብሓፈሻ፣ ርግኣት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብፍላይ ዘሻቐለን ኤምባሲታት ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ዜጋታተን ክወጽኡን ናብታ ሃገር ንምጋሽ መደብ ዘለዎም ድማ ዳግመ ግምት ክገብርሉን የጠንቅቓ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰመራ ካብ ዝኣሰሮም ኣስታት 70 መራሕቲ ናይተን ረዲኤት ዘመላልሳ ናይ ጽዕነት መካይን ሕቡራት ሃገራት፣ ንፍርቆም ከምዝፈትሖም እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ16 ሕዳር ኣፍሊጡ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0