ኣዛዚ ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝምርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 07 August 2019

ኣብ የመን ንዝካየድ ኵናት ዝመርሕ ዘሎን ኣዛዚ ሓይልታት ልፍንቲ ኣንጻር ግብረ ሽበራን፣ ወራሲ ዓራት፣ ሌተናት ጀነራል ፋሃድ ቢን ቱርኪ ቢን ዓብደልዓዚዝ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ ብ6 ነሓሰ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ከምዝተራኸበ ሳውዲ ጋዜጣ ጠቒሳ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ እትስሕበሉ ዘላ ኣጋጣሚ’ዩ።

ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እናተበገሰት፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን መጥቃዕታት ከተካይድ ዝጸንሐት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ እትሓድጎ ዘላ ከባቢታት፣ ብሓይልታት ስዑዲ ዓረብ ይትካእ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓ መዓስከር ክትስሕብ ምዃናን ዘይምዃናን ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ኣዛዚ ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ዝርርብ’ውን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል ትንታነት ይወሃቦ።

ካብ የመን እትስሕብ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓ መዓስከር እንተሓዲጋቶ፣ ብስዑዲ ዓረብ ክትካእ ምዃኑ ግምታት ኣሎ።

==================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0