ኣንጻሩ ህዝባዊ ናዕቢ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናብ ግብጺ ይበጽሕ

ኣንጻሩ ህዝባዊ ናዕቢ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናብ ግብጺ ይበጽሕ

Radio Erena: 28 January 2019

ኣንጻሩ ህዝባዊ ናዕቢ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ትማሊ ሰንበት 27 ጥሪ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀጠር ዝፈጸሞ ተመሳሳሊ ዑደት’ዩ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት በሺር ናብ ካይሮ፣ ካብ ግብጺ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምርካብ’ዩ ተባሂሉ።

ንፕረዚደንት በሺር ብድምቀት ዘተኣናገደ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ፕረዚደንት ከምዘሎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሱዳን፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቐንዐ ህዝባዊ ናዕቢ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣቑጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት በሽር ከምዘሎ ክገልጽ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ነቲ ኣንጻር ፕረዚድነት በሽር ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ከጎሃህር ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት፣ ብወገን ፕረዚድነት በሽር ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ንመራሕቲ ሱዳንን ግብጽን፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ዋንነት ዞባ ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ዘሎ ዘይምርድዳእ፣ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተፈጥረ ምክፍፋል ብዝበኣሰ ኣተፋኒኑዎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0