ኣንጎላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ናይ 23 ሃገራት ኣውፈርቲ ፍቓድ ሂባ

ኣንጎላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ናይ 23 ሃገራት ኣውፈርቲ ፍቓድ ሂባ

Radio Erena: 06 August 2015

Angola

ኤርትራውያን ካብ ዝርከብዎም ናይ 23 ሃገራት ኣውፈርቲ፣ ኣብ ኣንጎላ ፍቓድ ከምዝተዋህበ ሃገራዊ ትካል ብሕታዊ ወፍሪ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ቻይናን ካልኦትን ዝርከብዎም ናይ 23 ሃገራት ኣውፈርቲ፣ ንጥፈታቶም ንምጅማር ዝሓለፈ ሰሙን ሮቡዕ 29 ሓምለ ነቲ ስምምዕ ከምዝኸተሙ እቲ ትካል ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ መንግስታዊ ትካል ዝዘርግሖ ሓበሬታ እዞም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣንጎላ ንጥፈታቶም ዝጀመሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ትካላት ብድምር ልዕሊ 43.5 ሚልዮን ዶላር’ዮም ኣውፊሮም።

 

ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኣንጎላ ምስ ቀዳሞት 10 ከምዝስራዕ’ዩ ጸብጻባት ንግዲ እታ ሃገር ዘመልክት።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኣንጎላ፣ ሩዋንዳ፣ ኮንጎ፣ ዚምባብዌንን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ነጋዶን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ከምዘንቀሳቕሱ ይፍለጥ።

መብዛሕቶም እዞም ኣውፈርትን ነጋዶን ኣብ ኤርትራ ጥጡሕ ባይታ ወፍሪን ንግድን ብዘይምህላዉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከውፍሩ ከምዝተገደዱ’ዩ ዝግለጽ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0