ኣንጎላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሃብተመት ጓለነስተይቲን ጓሉ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበርን ብምጥፍፋእ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ተኸሲሳ

Radio Erena: 30 January 2020

ጓሉ ነቲ ንኣንጎላ ን38 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር ሆሴ ኤድዋርድ ዶ ሳንቶስ ብምጥፋፋእ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ተኸሲሳ።

እታ ብዘለዋ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ገንዘብ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሃብተመት ጓለነስተይቲ እናተባህለት እትግለጽ ኢዛቤል ዶ ሳንቶስ፣ ብዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ብምስናዕ ሰነዳትን ካልእ ናይ ምትላልን ስርቅን ሚልዮናት ዶላራት ከምዘዋህለለት፣ ዝልሓዅ ሰነዳት ድሕሪ ምቅልዑ’ያ ብኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ተኸሲሳ ዘላ።

ንሳ፣ ኣቡኣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ 10ታት ዓመታት፣ ነዳዲ ንዘፍሪ ሃገራዊ ኩባንያ እታ ሃገር’ያ ተመሓድር ኔራ።

እንተኾነ፣ ኣቦኣ ኣብ 2017 ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ንሳን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ እቲ ፕረዚደንት ነበርን ካብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከምዝእለዩ ተጌሩ።

ሓዋ ሆሴ ፊልሚኖ ዶ ሳንቶስ’ውን ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ካብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከውጽእ ከምዝተታሕዘ ሰነዳት እታ ሃገር የመልክቱ።

ቅኣብ ዕዉት ንግዲ ከምዝተዋፈረት እትገልጽ ኢዛቤል ዶ ሳንቶስ፣ እዚ ልሒዅ ዝብሃል ዘሎ ሰነዳት ስማ ንምጽላም ኮነ ተባሂሉ ዝተኣልመ ምዃኑን ንዘልዕልዎ ትካላት ይኹኑ ውልቀሰባት ክትከስስ ምዃናን ብወገና ገሊጻ ኣላ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተሸሚማ ዝነበረት ኣንጎላ፣ ድሕሪ 2002 ብእተፍርዮ ዘላ ብዝሒ ነዳዲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰደድ ነዳዲ ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ክኢላ’ያ።

እንተኾነ እዛ 29 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ምዕሩይ ዝርግሐ ሃብቲ ከምዘይብላ’ያ ትግለጽ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሕሉ 10ታት ዓመታት፣ ንሳቶምን ስድራቤታቶም ኣብ ምጥፋፋእን ስርቂን ሃብቲ ሃገር ክዋፈሩ ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0