ኣንጎላ፣ ብምጥፍፋእ 244 ኩንታል ዕፉን ዝተጠርጠሩ፣ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሸተ ሰባት ተኸሲሶም

Radio Erena: 07 Febraury 2022

ኣብ ኣንጎላ፣ 27 ቶን ወይ ድማ ኣስታት 244 ኩንታል ዕፉን ብምጥፍፍኡ ሓደ ኤርትርዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ጥርጡራት ብፖሊስ ከምዝተታሕዙ ተሓቢሩ።

እቲ ዕፉን፣ መንግስቲ ኣንጎላ ውሕስነት ቅሙጥ ስትራቴጃዊ መግቢ ንምርግጋጽ ካብ ኣርጀንቲና ዝዓደጎ ምዃኑ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ካብ ሉዋንዳ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ወደብ ቤንጉአላ ከምዝጠፍአ ኣመልኪተን።

ብመካይን ተጻዒኑ ናብ ወደብ ሎቢቶ እናምርሐ ከምዝተሰወረ ዘመልከተ ፖሊስ ኣንጎላ፣ ምስ ምጥፋእ እቲ ዕፉን ዝተተሓሓዘ ሓደ ኤርትራውን ሓደ ቻይናውን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተሕዙ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ዝርዝር መንነት ናይቶም ጥርጡራት ኣይተነጸረን።

ፖሊስ ኣንጎላ፣ እቲ ዕዳጋታት መሰረታዊ መግብታት ንምርግጋእ ተባሂሉ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝተሸመተ ዕፉን፣ ብኸመይ ከምዝጠፍአን ናበይ ከምዘበለን መርመራ የካይድ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ኣጃንሳ ሉሳ ሓቢራ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0