ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ብ20 ለካቲት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዙሪክ ማራቶን ሰቪላ፣ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 22 February 2022

ስእሊ፡ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ብሰንበት 20 ለካቲት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ መበል 37 ውድድር ዙሪክ ማራቶን ሰቪላ፣ ሳልሳይ ደረጃ ወጺኡ።
ኣብዚ ኣትሌት ግርማይ ናይ ውልቁ ናይ ማራቶን ክብረወሰን ዘመሓየሸሉ ውድድር፣ ኢትዮጵያዊ ኣስራር ዓብዱልራሕማን ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ወዲ ሃገሩ ኣደላድለው ማሞ ከኣ ካልኣይ ብምዃን ስዒቡዎ።
ወዲ 26 ዓመት ኣትሌት ግርማይ ኣብ 2015 ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ሻምፕዮን ዓለም ከምዝደፈአ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ውድድራት ማራቶን ኒውዮርክን ጎተምበርግን፣ ከምኡ’ውን ውድድር ፍርቂ ማራቶን ፖደርቦርን ጀርመን፣ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ እዩ።
ብካልእ ወገን 3 ኤርትራውያን ዝሳተፉሉ ዘለዉ መበል 14 ውድድር ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ፣ ብሰንበት 20 ለካቲት ተጀሚሩ።
ኣብዚ ካብ 10 ጋንታታት ዘዋጽኡ 94 ተቐዳደምቲ ዝሳተፉዎ ዘለዉ ውድድር፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን መበል 24፣ ሄኖክ ሙሉ ብርሃን መበል 42፣ ከምኡ’ውን መትከል እዮም መበል 59 ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።
ክቡራት ሰማዕትና፣ ነዚን ካልእን ዘጠቓለለ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ድሕሪ ዜና ተኸታተሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0