ኣብ 10 ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ሶማል፣ ክሰጋገር ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 October 2021

 

ኣብ 10 ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ሶማል፣ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ምዃኑ ተገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ ብሉምበርግ፣ ንኣፈኛ ፈደራል መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ኢብራሂም ብምጥቃስ ብዝዘርግሖ ዜና መሰረት፣ ምርጫ ሶማል ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ከምዘይካየድ ንኹሉ ሰብ ንጹር ኮይኑ ኣሎ።

ምድንጓይ ምርጫ ሶማል፣ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ጸገማት ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ኣፈኛ፣ ዝካየደሉ ዕለት ኣየነጸረን።

ሶማል ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ፣ ነታ ሃገር ናብ ተወሳኺ ጎንጽን ሃጓፍ ፖለቲካዊ ስልጣንን ከይሸማ የስግእ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ነታ ብቐደሙ’ውን ምሉእ ጸጥታዊ ርግኣት ዘይጸንሓ ሃገር ካልእ ዘሻቕላ ነጥቢ’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ይኹን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ ብዛዕባ ‘ዚ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር’ዩ ዝብሃል ዘሎ ምርጫ ብምዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃብሉን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0