ኣብ ፓሪስ፣ ሰብ ክነብሮ ኣብ ዘይፍቀድ፣ ዝዓነወ ህንጻ ክነብሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም

ኣብ ፓሪስ፣ ሰብ ክነብሮ ኣብ ዘይፍቀድ፣ ዝዓነወ ህንጻ ክነብሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም

Radio Erena: 26 October 2015

pari Imm

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ሰብ ክነብሮ ኣብ ዘይተፈቕደ ኣረጊት ህንጻ ክነብሩ ንዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1300 ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣግዒዙ።

እቶም ስደተኛታት፣ ኣብ ግዳም ክሓድሩ ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያል ቀዝሒ ይጅምር ምስ ምህላዉ፣ ብተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ተመሪሖም፣ ናብቲ ሰብ ከይነብሮ ዝተኸልከለ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ኣረጊት ህንጻ ድሕሪ ምእታዎም፣ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብግዝያውነት ክነብሩ ዝጸንሑ’ዮም። 

ምምሕዳር እታ ከተማ ምስ ዝመልከቶም ኣካልት መንግስቲ ብምርድዳእ ድማ፣ ነቶም ኣስታት 1300 ስደተኛታት ብ33 ኣውቶቡሳት እናጸዓኑ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ፋሕ ከምዝብሉ ጌሮሞም ኣለዉ።

 

እዞም ብኢጣልያን ግሪኽን ዝመጽኡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዓርቢ 23 ጥቅምቲ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ፈረንሳ ኣብ ዝገዓዝሉ እዋን፣ ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን ፈረንሳን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እዞም ቀዋሚ መጽለሊ ዘይጸንሖም ሓደስቲ ስደተኛታት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት መንበሪ ቤት ስለዝተዳለወሎም ካብቲ ክነብርሉ ዝጸንሑ ኣረጊት ህንጻ ክግዕዙ ከምዝተወሰነ ኣረዲኦም።

ፈረንሳ፣ ካብ ኤርትራን ሶርያን ንዝመጹ ስደተኛታት ቀዳምነት ዑቕባ ትህብ እኳ እንተላ፣ ምስ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባን ካልኦት ስደተኛታትን መንበሪ ኣባይቲ ብቐሊሉ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብተደጋጋሚ እዋን ይጠቕሱ።

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ፣ኣብ ጎደናታትን ኣብ መናሃርያ ባቡራትን ይሓድሩ ንዝነበሩ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት በብእዋኑ ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዝ እኳ እንተጸንሐ፣ በብዕለቱ ምስ ዝርአ ዘሎ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ግና ኣብ ጎደናታት ናይ ዝሓድሩ ስደተኛታት ቁጽሪ ክጎድል ኣይከኣለን።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0