ኣብ ፈረንሳ፣ ክሕከም ዝቐነየ ፕረዚደንት ጂቡቲ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

Radio Erena: 21 September 2021

ኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፣ ኣብ ሕክምና ዝቐነየ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብ19 መስከረም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጂቡቲ ተረኺቦም ናይ ኣቐባብላ ስነ ስርዓት ጌሮምሉ።

ካብ 1999 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወዲ 73 ዓመት ዑመር ገለ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ከምዘሎን ዕልዋ መንግስቲ ድማ ክካየድ ከምዝኽእልን ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

እንተኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕ ድኻም ስለዝተሰምዖ፣ ንቡር ሕክምናዊ መርመራን ክትትልን ንምግባር ከምዝገሸን ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ክምለስ ምዃኑን ኣብ እዋኑ ብመንገዲ ትዊተር ገሊጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0