ኣብ ጎንደር ገና ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይግለጽ

ኣብ ጎንደር ገና ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይግለጽ

Radio Erena: 15 July 2016

Gonder

ኣብ ማእከል ጎንደር፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ህዝብን ብዝተወልዐ ግጭት ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተኡ ምንጭታት ዜና ካብ ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እቲ ብ12 ሓምለ ዝተወልዐ ግጭት፣ ካብ ክልል ትግራይ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ፣ ናይ ተቃውሞ ምንቕስቓስ ህዝቢ ወልቃይት ጠጌዴ ይውድብ ምህላዉ ንዝጠርጠርዎ ተወላዲ እቲ ከባቢ ዝኾነ ኮሌነል ደመቀ ዘውደ ንምሓዝ ኣብ ዝተዋፈርሉ እዋን ከምዝተጎሃሃረ ንጹር ኮይኑ ኣሎ።

ህዝቢ፣ ነቲ ብሓይልታት ጸጥታ ዝህደን ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኮለነል ኣሕሊፍና ኣይንህብን ብምብላ፣ ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ዘካየዶ ግጭት፣ ካብ ሓይልታት ጸጥታን ህዝብን ብውህዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ፣ ተቓወምቲ ወገናት ከኣ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክሳብ 20 ከምዝበጽሑ ይገልጹ ኣለዉ።

 

እቲ ግጭት ናብ ምቕጻል መካይን፣ ኣውቶቡስን ካልእ ንብረት ከምዝዓረገ ዝሓበሩ ምንጭታት ካብ ጎንደር፣ እቲ ግጭት ከይብእስ ስግኣት ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

እቲ ብሓይልታት ጸጥታ ዝህደን፣ ህዝቢ ጎንደር ከኣ ኣሕሊፍና ኣይንህቦን ዝብል ዘሎ ኮለነል ደመቀ ዘውደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብዛዕባ ምእታዉ ዝተፈልጠ የለን።

ኣብታ ከተማ ወጥሪ ዓሪጉ ምህላዉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይሕብሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታኡን ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ግጭት ዝርዝራዊ መብርሂ እኳ እንተዘይሃበ፣ ካብ ኤርትራ ዝተበገሱ ዕጡቓት ኢድ ከምዘለዎምን ገለ ካብኣቶም ከኣ ከምዝተታሑዝን ወቒሱ ኣሎ።

መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ዝጎሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት፣ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ኣለዎ ክብል እዚ ናይ ጎንደር ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0