ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሻቕሎት ሸሚምዎም

ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታታ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

 

ሬድዮ ኤረና ካብ ከተማ ካይሮ ዝተወከሰቶም ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕብን ዕግርግርን ምንቕስቓሳቶም ተደሪቱ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን እቶም ዝበዝሑ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ንምስጋር ዘዝተፈላለየ መስርሕ ዝጽበዩ እኳ እንተኾኑ፣ መነባብርኦም ኣብታ ሃገር ዝገበሩ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ዝተዋፈሩ ኣምኢት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ ኣብ ግብጺ ተባሪዑ ዘሎ ኩነታት ድማ ስራሕትን ትምህርትን ኣቛሪጾም ዘለዉ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣራብ ኒዊስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ’ውን፣ ኣብ ሪያድ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ካይሮ፣ ብሰንኪ እዚ ናይ ግብጺ ኩነታት ናይ ትምህርቱ እዋን ከምዘሰጋገሮ ከምዝተገደደ ሓቢሩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0