ኣብ ግሪኽ ዝነበሩ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 47 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ግዒዞም

Radio Erena: 19 April 2020

ኣብ ግሪኽ ዝነበሩ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 47 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ግዒዞም።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያን ዒራቕን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ብዘይኣለይቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ግሪኽ ዝጸንሑ ምዃኖም ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ንመላእ ዓለም ኣንቀጥቂጡ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ጻዕርታት ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቀንዲ ተጠቃዕቲ ይኾኑ ምህላዎም ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት ይግለጽ።

ጀርመን ነዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 47 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ሃኖቨር ተጣይስ ዘላ፣ ደድሕሪ’ቶም ላግዘምበርግ 12 ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ምጥያሳ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስዚ ለበዳ ሕማም ኮሮና ዘስፋሕፋሓሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከቢድ ጸገብ ብምውዳቖም፣ ኣብ ወጻኢ ብዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ሓገዝ ክግበረሎም ጻውዒታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ኣርባዕተ ደቀንስዮ ዝርከብኦም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ክሊ ዕድመ 8 ክሳብ 17 ዝርከቡ ኮይኖም፣ ጀርመን ኣብ ዝኣተዉሉ ካብ 18 ሚያዝያ ኣትሒዞም፣ ንክልተ ሳምንታት ንበይኖም ክዕጸዉ ምዃኖም፣ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ። ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ካብ ሕማም ኮሮና ናጻ ምዃኖም ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን ከኣ ንቡር ናይ ምጥያስ መስርሕ ክጅምሩ’ዮም።

ሃገራት ኤውሮጳ ጸገም ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕ ሸለልትነት የርእያ ኣለዋ ኢሎም ዝኸሱ ተጣበቕቲ መሰላት፣ ምጥያስ ናይዞም 47 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እኹል ከምዘይኮነ’ዮም ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0