ኣብ ጋንታታት ዎርልድ ቱር ቲም ናይ ዝተሓቑፉ ብዝሒ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ካብ 5 ናብ 3 ወሪዱ

Radio Erena: 08 Febraury 2022

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ዎርልድ ቱር ቲም ናይ ዝተሓቑፉ ብዝሒ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሰለስተ ወሪዱ።

ብዝሒ ናይቶም ምስ ጋንታታት ዎርልድ ቱር ቲም ተጠርኒፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ታሕቲ ዝወረደሉ ምኽንይታ፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ ምስ ፈረንሳዊት ዎርልድ ቱር ቲም ኮፊዲስ ክቀዳደም ዝጸንሐ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ Al Shafar Jumeirah ምስ ዝተባህለ ብደረጃ ክለብ እትነጥፍ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጋንታ ከምዝተጸንበረ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጺ’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዎርልድ ቱር ቲም ኲቤካ ኣሶስ ብምፍራሳ፣ ሓደ ደረጃ ወሪዱ ናብ ኮንቲነንታል ቲም ባይክ አይድ ክሰጋገር ከምዝተቐሰበ ይዝከር።

ኣብ’ዚ እዋን ምስ ጋንታታት ዎርልድ ቱር ቲም ተጠርኒፎም ውድድሮም ኣብ ምስልሳል ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ቢንያም ግርማይን ጥራይ ‘ዮም።

ኣብ መሳልል ደረጃ ዩሲኣይ፣ ኣብ ናይዚ ወርሒ’ዚ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኤርትራ፣ ተቐዳደምቲ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ ክወስዱ ብዘይምኽኣሎም፣ ካብ ዙር ርዋንዳ 2022 ክትበኩር ምስ ምዃና፣ ናይ ፕሮፌሽናል ዕድላት ክጽበዩ ንዝጸንሑ ተካእቲ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዓቢ ሃስያ ከይከውን ኣብ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ስክፍታ ፈጡሩ ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0