ኣብ ጁባ፣ ቅትለት ሰለስተ ኤርትራውያን ቁጠዐ ፈጢሩ

ኣብ ጁባ፣ ቅትለት ሰለስተ ኤርትራውያን ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 01 October 2015

Keren Hote

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ከባቢ ሃይ ሲነማ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ብሰኑይ 28 መስከረም ቀትሪ ኣብ ከረን ሆቴል ዝተፈጸም ቅትለት ሰለስተ ኤርትራውያን ምስ ስርቂ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፣ ካብ ቀተልቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ከምዘየለ’ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ። 

ሬሳ ናይዞም ሰለስተ ኤርትራውያን ብ30 መስከረም ካብ ከተማ ጁባ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተፋነወሉ፣ ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ከምዝተረኽቡን፣ ቁጥዐኦም ኣንጻር እቲ ገበን ከምዝገለጹን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።

 

ቦዳ ቦዳ ብዝፍለጣ ሞቶር ሳይክል ዝተወጥሑ፣ ገጾም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት፣ ኣብ ኣፍደገ እቲ ብኤርትራውያን ዝውነን ከረን ሆቴል ኣድብዮም ብምጽናሕ፣ ገንዘብ ናብ ባንክ ንምእታው ዝተበገሱ’ዮም ናብ ዝበልዎም ኤርትራውያን ሃንደበታዊ ቶዅሲ ከምዝኸፈቱ’ውን እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር የረድኡ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ’ውን ኣቦን ወድን ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ነጋዶ፣ መሪዳ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ደቡብ ሱዳን ምስ ስርቂ ብዝተተሓሓዘ ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ስርቂ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0