ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣባላት ኣልሸባብ ምዃኖም ዝተገልጹ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣባላት ኣልሸባብ ምዃኖም ዝተገልጹ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 21 October, 2014

Kenya

ሰራዊት ኬንያ፣ ምስ ኣልሸባብ ምትሕሓዝ ኔርዎም ንዝበሎም ሓሙሽተ ሶማላውያን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሞያለ ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሰራዊት ኬንያ፣ ኣብቲ ዘካየዶ ስርሒት፣ ሓደ ሚእቲ ኪሎ ግራም ዝምዘን ተፈንጃርን ንርእሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝተዳለወ ጃኬታትን’ውን ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ዶባ ኬንያን ኢትዮጵያን ዝተቐትሉ ሓሙሽተ ሶማላውያን፣ መጥቃዕቲ ከካይድሉ ዝተወጠነ ቦታ ኣይተሓበረን።

 

ኬንያ ጸጥታኣ ምሉእ ብምሉእ ከተውሕስ ብዘይምኽኣላ ኣልሸባብ ተደጋጋሚ እዋን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘካየድ ምኽኣሉ ዝፍለጥ’ዩ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረፕ ጸብጻብ’ውን ሰራዊት ኬንያ ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኣገደ ንግዲ ቻርኮል ዝዓይነቱ ፋሓም ኣብ ምሽጣ ምስ ዕጡቓት ኣልሸባብ ይተሓባበር ኣሎ ክብል ከሲሱ ኣሎ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0