ኣብ ዶብ ቱርክን ቡልጋርያን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 70 ስደተኛታት ተታሒዞም

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 70 ስደተኛታት ኣብ ዶብ ቱርክን ቡልጋርያን ከምእተታሕዙ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ኣገር ኣፍሊጡ።

 

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያ፣ ፍልስጤም፣ ማሊ፣ ኮንጎ፣ ሞሮኮን ኣልጀዚራን ኣብ ቱርኪ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ናብታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ቡልጋርያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ኣብ ዶብ ዝተታሕዙ።

ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝሓቖፋ ኣዴታት ዝርከብኦም እቶም ስደተኛታት በብዝተፈላለየ ዞባታት እታ ሃገር ናብ ውሽጢ ቡልጋርያ ንምእታው ከምዝፈተኑ ዝሓበረ ፎኮስ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቡልጋራያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት እንታይ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣይጠቐስን።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0