ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን፣ ኣብ ዝቐጸለ ግጭት ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 27 January 2021

ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን፣ ኣብ ዝቐጸለ ግጭት፣ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ሓቢረን።

እቲ ብሰንበት 24 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ምሸት ጀሚሩ፣ ክሳብ ናብ ሰኑይ ዘውግሐ ለይቲ ዝቐጸለ ግጭት፣ ብመንግስቲ ኬንያ ዝድገፉ ዕጡቓት ሶማል፣ ኣብ ጁባላንድ፣ ኣብ ዶብ ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ቡሎሃዎ ድሕሪ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ከምዝተጀመረ ሚኒስተር ዜና ሶማል ወቒሱ።

ካብቶም ዝተቐትሉ፣ ሰለስተ ወትሃደራት መንግስቲ ሶማል ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ብኬንያ ዝሰልጠኑ ኣስታት 100 ዕጡቓት ከምዝተማረኹ ኣመልኪቱ።

ኬንያ፣ ነቲ ብመንግስቲ ሶማል ዝቐርብ ዘሎ ወቐሳ፣ ዛጊት ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበትሉን።

መንግስቲ ኬንያ፣ ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ይደፋፍኦ ከምዘሎ’ዩ መንግስቲ ሶማል ዝኸስስ።

ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣሕመድ ማዶበ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ጌዶንን ካልእ ክፋል እታ ርእሰ ምምሕዳርን ከይሰሓበ፣ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ከምዘይሳተፍ ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብወገኑ፣ እቲ ፕረዚደንት ብኬንያ ከምዝተደፋፍአ ብምጥቃስ፣ ኬንያ ንሉኣላውነት ሶማል ትግህስ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክወቅስ ጸኒሑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0