“ኣብ ዶባ ሱዳንን ሊብያን 600 ስደተኛታት ተታሒዞም” ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን

“ኣብ ዶባ ሱዳንን ሊብያን 600 ስደተኛታት ተታሒዞም” ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን

Radio Erena: May 7, 2014

Sudan Defence

ሱዳንን ኤርትራን ጸጥታ ዶባተን ንምውሓስ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስምምዓት ኣብ ምክያድ ከምዝረከባ ተሓቢሩ።

ሱዳንን ኤርትራን ጸጥታ ዶባተን ንምውሓስ ዘካይድኦ ዘለዋ ስምምዓት፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰባት ንምግታእ ዝዓለም’ዩ ምዃኑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣውራ ዘገድሰን ጉዳይ ግና ዶባተ ንዝሰገሩ ተቓወምትን ዘገድስወን ሰባትን ንምርኽኻብ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፣ ዓብደልራሒም ሑሰን ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሱዳን ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ቻድን ድሕሪ ዘካየደቶ ስምምዓት፣ ምንቕስቓስ ተቓወምቲ ተገቲኡ ከምዘሎ’ውን ኣረዲኡ።

እቲ ሚኒስተር ናብ ፓርላማ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ እቲ ድሮ ተኻይዱ ዘሎ ጸጥታ ዶባት ናይ ምውሓስ ሓባራዊ ስምምዓት፣ ንምንቕስቓስ ተቓወምቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ኣጽዋርን’ውን ዝዓለም ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

 

ብመሰረት እቲ ንሱ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሊብያ ንምስጋር ዝፈተኑ ኣስታት 600 ስደተኛታት ተታሒዞም ኣለዉ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣቐዲሙ ንዝሓዞም 45 ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከቦምን እቶም ተሪፎም ዘለዉ ልዕሊ 200 ድማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከየረክቦም ተሰጊኡ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ሃገር ኤርትራውያን እናገፈፈ ይእስር ከምዘሎ’ውን ካብታ ሃገር ዝመጸና ሓበሬታ የመልክት።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብቲ ካብ ከባቢታት ኦምሓጀር ክሳብ ከባቢታት ቕሮራ ንዘሎ ሰፊሕ ዝርግሐ ዶብ ክቖጻጸርዎ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣውራ ደቂ ሰባት ይሰጋገርሉ’ዮም ተባሂሉ ዝጥርጠር፣ መስመር ተሰነይ-ከሰላ ግና ጽኑዕ ቁጽጽር ክግበረሉ ኣብ ዝብል’ዮም ዝረዳድኡ።

ኣብዚ ኣርእስታት’ዝን ካልእ ምስኡ ዝተተሓዘ ጉዳያት ጸጥታ ዶባን ብዝምልከት ተወሳኺ ዝዝርብ ንምክያድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ክልትኤን ሃገራት ርክብ ከካይዱ ምዃኖም’ውን ምንጭታት ዜና ይእንፍቱ።

ብህድማ ዜጋታቱ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝበጽሕ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ንላዕሊ፣ ንምስሉን ፖለቲካዊ ዕላምኡን ጥራይ ብምሕሳብ ዜጋታቱ ዶባት ከይሰግሩ ብጽኑዕ ከምዝሕልዎ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ዜጋታቱ ናጻ ናይ ምንቕስቓስ መሰል ዝዓገተ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገሪ ሰባትን ብምትሕብባር፣ ኣሽሓት ዶላር ገንዘብ እናኽፈሉ፣ ንመንእሰያት ዶባት ኣብ ምስግጋር ከም ቀንዲ ምንጪ እቶት ክርእይዎ ከምዝጸንሑ’ዩ ዝንገር።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ንምግታእ እቲ እንኮ መፍትሒ ዶባት ምዕጻው ዘይኮነ፣ ኣብ ኤርትራ መንእሰያት ራኢ ዘለዎ ህይወት ክመርሑ፣ ፍትሕን ክብርን ዜጋታት ዝሕሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካል ጥራይ ምዃኑ’ውን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ይሰማምዕሉ።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0