ኣብ ደቡብ ሱዳን ንመዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ሃዲኡ፣ ወጥሪ ግና ኣሎ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ንመዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ሃዲኡ፣ ወጥሪ ግና ኣሎ

Radio Erena: 12 July 2016

south Fighting

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ዳግም ዝተጎሃሃረ ግጭት ሃዲኡ።

እንተኾነ ኣብታ ከተማ ልዑል ወጥሪ ተኸሲቱ ብምህላዉ፣ እቲ ግጭት መሊሱ ከይውላዕ ስግኣት ከምዘሎ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር የጠንቕቑ።

ኣብቲ ካብ ዓርቢ 8 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ከተማ ጁባ ከባቢ ቤት መንግስቲ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ጻዕርታት፣ ስምምዕ ሰላም ብምኽታም ልፍንታዊ መንግስቲ ዘቖሙ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ሬክ ማቻርን ነቲ ግጭት ካብ ምጉሁሃር ክቁጠቡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።

 

ሓያሎ ኤምባሲታት ሃገራት ምዕራብ ከኣ ዜጋታተን ካብ ፍኑው ምንቕስቓስ ክቑጠቡ የጠንቕቓ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0