ኣብ ዳባት፣ መዓስከር ኣለም ዋጭ፣ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ስእነት ሕክምናን ህጹጽ መጓዓዝያን ሞይቱ

Radio Erena: 12 April 2022

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝተደኮነ መዓስከር ስደተኛታት ኣለም ዋጭ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ሓደ መንእሰያት ሰኣን ሕክምና ከምዝሞተ ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 35 ዝርከብ፣ ጸሃየ ኣስመሮም ዝተባህለ መንእሰይ፣ ሓሚሙ ብኣግኡ ሕክምና ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ሆስፒታል ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ብሰኑይ 11 ሚዛያዝ ‘ዩ ዓሪፉ።

ህጻናታን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ኤርትራ ዘዕቖበ መዓስከር ኣለም ዋጭ፣ ብቑዕ ሕክምና ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣምቡላንስ ‘ውን ስለዘይብሉ፣ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ንዝኸበደ ሳዕቤናትን ሞትን ይቃልዑ ምህላዎም እዚ ናይ ጸሃየ ሓደ ኣብነት ምዃኑ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ነበርቲ እቲ መዓስከር ኣመልኪቶም።

መንእሰይ ጸሃየ፣ ኣብ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ ቤት ክርስትያን ክዳነ ምህረት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ንኩነታቶም ይከታተሎ ከምዘሎ ዝገለጸሎም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ሕጂ’ውን ንድሕነቶም ዝውሰድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዛዕባ ምህላዉ ኣየነጸረሎምን።

እቶም ኤርትራውያን፣ ከም ሓውሲ እሱራት፣ ካብ መዓስከር ከይወጹን፣ ዓቕሚ ዘለዎ ድማ ኣብ ዳባት ኣብ ዝርከብ ሆቴላት ከይሓድሩ ኮነ ኣብታ ሓውሲ ከተማ ከይጸንሑን፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን ጽኑዕ ምክትታል ይገብርሎም ከምዘለዉ ‘ዩ ዝሕብር።

ካብን ናብን እቲ መዓስከር ዝንቀሳቐስ ባጃጅ ይኩን ካልእ መጓዓዝያ’ውን ስለዝተኸልከለ፣ እቶም ኤርትራውያን ተነጺሎም፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታትን ሻቕሎትን ይነብሩ ምህላዎም ‘ዮም ዝገልጹ።

ስእሊ፦ መዓስከር ኣለም ዋጭ – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0