ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ኣመሪካ ከም ተዓዛቢት ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 27 October 2022

ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣመሪካ ከም ተዓዛቢት ትሳተፍ ምህላዋ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብ25 ጥቅምቲ ዝጀመረ ዘተ፣ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋንድን ብደረጃ ውድብ ከም ተዓዘብቲ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ብደረጃ ሃገር ግና ኣመሪካ ጥራይ’ይ’ያ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪ፣ ፕረዚደንታት ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፣ እቲ ንመጀመርያ እዋኑ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምጽእ ናብ ዝኽእል መድረኽ ከሰጋግር ዘለዎም እምነት በብወገኖም ገሊጾም።

እንተኾነ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ይቕጽልን፣ ብኤርትራ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሓያሎ ከተማታት ይቖጻጸረን ኣብ ዘሎ እዋን፣ እዚ ክሳብ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ፍረ ክህብ’ዩ ዝብል መደምደምታ ንምብጻሕ ከቢድ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ የረድኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሓያሎ ከተማታት ትግራይ ከምዝተቖጻጸረን ምስ ነበርተን ብምዝታይ፣ ሓድሽ ምምሕዳራት ንምቛም ይዝቲ ከምዘሎ’ዩ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ዝተቖጻጸረን ከተማታት ትግራይ ብወግዒ እኳ እንተዘይሓበረ፣- ሽረ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ዓድግራትን ኣላማጣን ካብተን ቀንዲ ምዃነን ይንገር ኣሎ።

መቐለ’ውን ኣብ ምሉእ ከበባ ኣትያ ከምዘላ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታ ይእንፍት።

ስምምዕ ምቑራጽ ተጻብኦታት፣ ብዘይገድብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ካብ ቀዳሞት ትግራይ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብወገኑ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ከም ኣውራ ቅድመ ኩነት ናይቲ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ከምዘቕርቦ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0