ኣብ የመን 9 ወተሃደራት ሱዳን ተቐቲሎም፣ 30 ካልኦት ከኣ ቆሲሎም

Radio Erena: 04 March 2022

ኣልሑቲ ናይ የመን፣ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ተጸምቢሮም ካብ ዘለዉ ሰራዊት ሱዳን፣ 9 ከምዝቐተለ 30 ከኣ ከምዘቑሰለ ገሊጹ።

ኣልሑቲ ዕለት 2 መጋቢት፣ ኣብ ዞባ ሓጃ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዩ ነቶም ሱዳናውያን ከምዝቐተለ ዝግልጽ ዘሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንስዑዲ ዓረብ ንምድጋፍ ናብ የመን ናይ ዝለኣኾም ወተሃደራት ቁጽሪ ካብ 15 ሽሕ፣ ናብ 5 ሽሕ ከምዘውረዶ እዩ ዝገልጽ።

ዝበዝሑ ካብቶም ሱዳን ዝለኣኸቶም ወተሃደራት፣ ኣባላት’ቲ ብመሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ምልሻ ጃንጃዊድ ምዃኖም እዩ ዝንገር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0