ኣብ የመን ኣጓጢሙ ብሰንኪ ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኤምባሲታተን ይዓጽዋ ኣለዋ

ኣብ የመን ኣጓጢሙ ብሰንኪ ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኤምባሲታተን ይዓጽዋ ኣለዋ

Radio Erena : 11 February 2015

USembye

ኣብ የመን ብሰንኪ ኣጋጣሙ ዘሎ ከቢድ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኤምባሲታተን ይዓጽዋ ኣለዋ።

ተቓወምቲ ሑቲ ንእገደስቲ ትካላት መንግስቲ ተቖጻጺሮም፣ ንባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ምብታኖም ፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ሃገር መን ይመርሓ ከምዘሎ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

የመን ኣብ ደቡብን ሰሜንን ከይትግማዕ ከቢድ ስኽፍታ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ’ውን ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ጥሩፋት ጉጅለታት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ ኣብ የመን ከስፋሕፍሑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

 

እዚ ዘሻቐለን ኣመሪካ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ ድማ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ካብ ሰንዓ ስሒበን ኣለዋ።

እዘን ሃገራት ንዘይተወሰነ እዋን ኤምባሲታታ ከምዝዓጸዋ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ነቲ ኩነታት ብቀረባ ንምክትታል ግና ኣብ ቀይሕ ባሕርን ጎረባብቲ ሃገራትን ወትሃደራዊ ሓይልታታን ኣዋፊረን ምህላወን ይጠቐስ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0