የመን፣ ሕማም ሸሮኽ 115 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 15 May 2017

Yemen Cholera 2

ኣብ የመን ንኻልኣይ እዋኑ ኣብ ዝተኸስተ ሕማም ሸሮኽ ብውሕዱ 115 ሰባት ከምዝቐተለ ንጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ካብ ሰንዓ፣ ምስ ዘሎ ውግእን ሓፈሻዊ ኩነታትን፣ ሆስፒታላት እታ ሃገር ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ኮይኑወን ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ የመን 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ሕማም ሸሮኽ ብናህሪ ክላባዕ ኣዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

እቲ ብሰንኪ ጽሬቱ ዘይሓለወ ዝስተ ማይን መግብን ዝኽሰት ሕማም ኣብ ሶማልያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ ካልኦት ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ጸጸኒሑ ይርአ ከምዘሎ’ዩ ዝጥቐስ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኤርትር ዘዳውብ ዞባ ምብራቓዊ ሱዳን፣ እዚ ውጽኣት ብምስዓብ ዘጥቕዕ ሕማም ብናህሪ ክላባዕ ምጽንሑ ይግለጹ።

እዚ ሕማም ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተላብዐ፣ ኣብዚ ዞባ ከቢድ ሓደጋ ከየስዕብ ንምግትኡ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ መሻርኽትን ትካላት ጥዕና እዘን ሃገራትን ብሓባር ይሰርሕ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0