ኣብ ዞባ ዳርፉር ገና ዓመጽን ግርጭትን ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 October 2019

ብኣንጻር’ቲ ሰበስልጣን ሱዳን ማዕቀብ ክለዓል ዘቕርቡዎ ዘለዉ ጠለብ፣ ዞባ ዳርፉር ገና ዓመጽን ግርጭትን ይምስክር ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ ባይቶ ጸጥታ ንማዕቀብ ሱዳን ዝከታተል ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ዳርፉር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት፣ ምልሻታትን ሰራዊት መንግስቲን ሓሓሊፉ ግርጭታት ይረአ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝርከቡ ተወላዶ ዳርፉር እውን ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይወርድ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ድሕሪ ስርዓት ኣልበሽር ምውዳቑ እቲ ግርጭት ዝሃደአ እኳ እንተመሰለ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ንሓድሕዶም እውን ውግእ ከምዘየቋረጸ ይግለጽ።
ዕጡቓት ሓይልታት ዳርፉር፣ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ንዝቐረበሎም ናይ ሰላም ጻውዒት፣ ምልሻ ጃንጃዊድ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ነቲ ናይ ሰላም ጻውዒት ክቕበሉዎ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጦም እዮም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ዳርፉር ብወገኖም፣ ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝረኽቡዎ ዝነበሩ ደገፍ ደው ስለዝበለ፣ ንጥፈታቶም ኣቋሪጾም ከምዘለዉ ይግለጽ።
ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ጸኒዑ ዘሎ ማዕቀብ ክለዓል ተደጋጋሚ ጻውዒታት ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0