Update: ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንግዳያት ባሕሪን ኣረሜናዊ ዳዕሽን ሽምዓ ብምብራህ ይዝክሩ፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብሰንኪ ራዕዲ ህዝቢ ሓዘኑ ብወግዒ  ክገልጽ ኣይከኣለን

Update: ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንግዳያት ባሕሪን ኣረሜናዊ ዳዕሽን ሽምዓ ብምብራህ ይዝክሩ፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብሰንኪ ራዕዲ ህዝቢ ሓዘኑ ብወግዒ ክገልጽ ኣይከኣለን

Radio Erena: 27 April 2015

ethioER

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ንግዳያት ባሕሪ ሜዲተራንያንን ኣብ ሊብያ ብኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዕሽ ንዝተቐትሉ ንጹሃት ስደተኛታትን ሽምዓ ብምብራህ ይዝክሩ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዝመጸና ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ ግና ንመንግስቲ ስለዝፈርሀ፣ ሓዘኑን ቁጠዐኡን ብወግዒ ክገልጽ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በብወገኖም ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ከካይዱ እንከለዉ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ድማ ቁጠዐኦም ንምግላጽ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም’ዮም።

ንግዳያት ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ንምዝካር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተኣወጀ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ተሰቒላ ምቕናያ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

በንጻር እዚ፣ ኣማኢት ግዳያት ባሕሪ ሜዲተራንያንን ሓያሎ ካብቶም ብዳዒሽ ዝተቐትሉ ንጹሃት ስደተኛታትን ኤርትራውይውን ክነሶም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ዝኽሪ ሰልፊ ይኹን ካልእ ንጥፈታት ዘይምክያዱ፣ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ክሳብ ክንደይ ኣርዒድዎ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ’ውን ንምግንዛቡ ኣየጸግምን።

ኣብ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት 360 ኤርትራውያን’ውን መላእ ዓለም ብሓዘን ክዝክሮን ኢጣልያ ድማ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክትእውጅ እንከላን፣ እቲ ገዛእ ደቁ ዝሰኣነን ሬሳታቶም’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ሲሲልያ ኣብ ጋህሲ ስለዝርከብ ሓመድ ኣዳም ዘየልበሶምን ህዝቢ ኤርትራ ግና ብራዕዲ ልሳኑ ተዓቡሱ ግቡእ ሃገራዊ ሓዘን’ውን ኣይገበረሎምን።

እዚ ከይኣክል’ውን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ቅነ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም መዛረቢ መላእ ዓለም ኮይኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ተገዲዱ ክነሱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ዝፈጠረሉ ራዕዲ ሃለዋት ደቁ ንምሕታት’ውን ኣይከኣለን።

እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጭካነን ምልክን ዘጉልሕ’ዩ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0