ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝከብዎም 25 ሽሕ ቆልዑ ብዘይኣላዩ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተው ተሓቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝከብዎም 25 ሽሕ ቆልዑ ብዘይኣላዩ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተው ተሓቢሩ

Radio Erena: 01 August 2017

Minors

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 25 ሽሕ ቆልዑ ብዘይኣላዩ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት (ኣይሪን) ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ኣይሪን ዝቀረበ ጸብጻብ ካብቶም ኣብ 2016 ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ 25 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝሓዙ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ቅልውላው ስደት እናተባህለ ዝግለጽ ዘሎ ፍጻሜታት፣ ቁጽሮም ብልክዕ ክፍለጥ ዘይክኣለ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ጥሒሎም ከምዝሞቱ’ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ሓያሎ ካብዞም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ብዘይኣላዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ኣቦታቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝተጸምዱ፣ ብሰንኪ ድኽነት ንዝተዳኸማ ስድራቤታቶም ናይ ምእላይ ሕልሚ ሒዞም ይስደዱ ምህላዎም፣ ንጉዕዞ ስደት ኣብ ግብጺ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ቆልዓ ከም ኣብነት ብምውካስ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ የቃልዕ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0