ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይዝክሩ ኣለዉ

Radio Erena: 24 May 2021

24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።

ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎምሉ ዘለዉ እዋን እትኽበር ዘላ 24 ግንቦት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና ንኩሉ ትሓቁፍ ዕለት’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓደ ሰብ ብዝምርሑ ውሑዳት ተጨውዩ ዝርከብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምስሊ’ዛ ዕለት ደዊኑዎ እኳ እንተሎ፣ ብመሪር ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ዝተረኽበት ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን የዘኻኽሩ’ዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብማእሰርቲ፣ ስደትን ሕሱም መነባብሮን ይግረፍ ስለዘሎ፣ ናጽነት ሃገሩ ከስተማቕርን ምሉእ ሓርነት ክስምዖን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምውዳቑ ገለ ኤርትራውያን ብምረቶም ይገልጹ።

እንተኾነ እዛ ካብ ተኸታታሊ መግዛእታት ስርዓታት ኢትዮጵያ ናጽነት ዝኣወጀት መዓልቲ፣ ብዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ደኣምበር፣ ሕድሪ ብጾቶም ብዝጠለሙን ህርፋን ስልጣን ብዘለዎም ውሑዳትን ብዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን በደልን ክትግለጽ ከምዘይግባእ’ውን መዘኻኸሪ ይቐርብ’ዩ።
=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0