ኣብ ወፍሪ ዘተኮረ ዋዕላ ብሪጣንያን ሃገራት ኣፍሪቃን ሎሚ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 20 January 2020

ኣብ ወፍሪ ዘተኮረ ዋዕላ ብሪጣንያን ሃገራት ኣፍሪቃን ሎሚ 20 ጥሪ ኣብ ለንደን ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ዋዕላ፣ ኬንያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ብመራሕተን ክውከላ እንከለዋ፣ እታ ሃገር ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ እትኽተሎ ፖሊሲ ተቓውሞ ዘለወን ከም ዚምባብዌን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ብዙሕ ግምት ኣይሃብኦን።

ብፍላይ ኣብቲ ዋዕላ ንኽትሳተፍ ወግዓዊ ዕድመ ዘይቀረበላ ዚምባብዌ፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ሽርክነት ወፍሪን ቁጠባን ዘተኮረ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ ምትእኽኻብ’ዩ ክትብል ነቒፋቶ።

ምስ ብሪጣንያ ብዙሕ ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለወን ከም ጋና ዝኣመሰላ ሃገራት፣ እቲ ኣብ ሎንደን ዝካየድ ዋዕላ፣ ምስ ወፍርን ዕዳጋታትን እተላለየሉ ኣጋጣሚ’ዩ ክብላ ይገልጽኦ።

ካብ ዝበዝሐ ዞባውን ኣህጉራውያን ኣኼባታት ተገሊሉ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ኣብ ለንደን ዝካየድ ዋዕላ’ውን ክሳተፍ ብዛዕባ ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

===============

ርእይቶ

WORDPRESS: 0