ኣብ ወጥሪ ዝርከብ ፕረዚደንት በሺር፣ ምቕይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይዱ

ኣብ ወጥሪ ዝርከብ ፕረዚደንት በሺር፣ ምቕይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይዱ

Radio Erena: 01 March 2019

ኣንጻሩ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ኣብ ወጥሪ ዝርከብ ፕረዚደንት በሽር፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይዱ።

ኣቐዲሙ፣ ንዝበዝሑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ካብ መዝነቶም ብምእላው፣ ሓድሽ መንግስቲ ኣቑሙ ዘሎ እቲ ፕረዚደንት፣ ን18ኣማሓደርቲ ዞባታት እታ ሃገር ብሓደስቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተኪእዎም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብዘይካ’ዚ፣ ምቅይያር ናይ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምድሪ፣ ባሕሪን ኣየርን ኣተግቢሩ።

ኣንጻሩ ዝተላዕለዋ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ንምድቓስ፣ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዝርከብ ፕረዚደንት በሺር፣ “ብምርጫ ደኣ’ምበር ብተቃውሞ ዝመጽእ ለውጢ መንግስቲ የለን።” እናበል’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ ህዝቢ ሱዳን፣ ሰለማዊ ሰልፊ ከየካይድን ከይእከብን ንዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ብምጣጥሓስ፣ “ፕረዚደንት በሺር ይኣኽለካ። ካብ ስልጣን ተኣለ።” እናበለ ህዝባዊ ተቓውምኡ ኣብ ምቕጻል ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0